– ሽሕ እኳ ዓሌታዊ ኣድልዎ እንተገጠመኒ፣ ግብረ መልሲ ግን ኣይህብን እየ። ንዝሸምገሉ ሰባት ክብረት ክህልወኒ ከም ዘለዎ፣ ገለ ካብ ባህለይ ዝተመሃርክዎ ነገር እዩ፣ ይብል ምምህርና ዘጽንዕ ዘሎ ሙስጦፋ ሳንጋር ካብ ድራመን።
ንሱ፣ ሓንቲ ካብተን ኣብ ኖርወይ ዝበዝሑ ካልኦት ዜጋታት ዝቕመጥወን ከተማ እዩ ዝነብር። ኣስታት 30 ካብ ሚእቲ ተቐማጦ ናይታ ከተማ ናይ ወጻእተኛ ድሕረባይታ ዘለዎም እዮም።
ኣስታት ሓደ ካብ ኣርባዕተ ወጻእተኛታት፣ ብሰንኪ ድሕረ ባይትኦም ዓሌታዊ ኣድልዎ ወይ ተነጽሎ ከም ዝገጠሞም፣ ክፍሊ ስታቲስቲክስ ኖርወይ ኣብቲ ብ2023 ዘቕረቦ፣ ትሕዝቶ ህይወት መጽናዕቲ ጸብጺቡ።
ኤን ኣር ኮ፣ ኣብ ዓሌታውነትን ምውህሃድን ዘለዎም ተመኩሮ ኣድሂባ ምስ ህዝቢ ቃለ መሕትት ገይራ ነይራ.
ዓሌታዊ ኣድልዎ ኣጋጢሙካ'ዶ ይፈልጥ? ንስኻ ወይ ትፈልጦ ሰብ ንዓሌታዊ ኣድልዎ ብኸመይ ከም ንቃለሶ መፍትሒ ሓሳብ ይህልወካ'ዶ? ኣብቲ ናይ ርእይቶ መጽሓፊ ቦታ፣ ጸሓፉልና።
ሙስጣፋ ሳንጋር (22): «– ንስኻ ኖርወጃዊ ኣይኮንካን፣ ኣብዚ እንታይ ትገብር ኣለኻ?»
– ኣብ ወረቐት ኣነ ኖርወጃዊ እየ፣ ግን ከም ኖርወጃዊ ኣይኮንኩን ዝርአ፣ ይብል ምምህርና ዘጽንዕ ዘሎ ሙስጣፋ።
ወለዱ ኩርዳውያን እዮም፣ ኣብ ኖርወይ እዩ ተወሊዱ ዓብዩ።
ሙስጣፋ ምሉእ ህይወቱ እዩ ኣብ ኖርወይ ተቐሚጡ፣ ግን ከም «ወዲ'ዚ ዓዲ» ጌሮም ሰባት ዝቐርብዎ ኮይኑ ኣይስምዖን እዩ።
ንሱ ብዙሕ ግዜ ኣድልዎ ዓሌታውነት፣ ብፍላይ ድማ ኣብ ንእሽቶ ዕድሚኡን ኣብ ውትህድርናን እንከሎ ኣጋጢምዎ እዩ።
– ሓደ ኣብ ክሊ 40–50 ዕድመ ዝርከብን ኣብ ውትድርና ዝሰርሕን፣ «ወጻእተኛታት» ኣብዚ ክመጹ ኣይግብኦምን እዩ፣ ዝብል ሓሳብ ኔርዎ። ንሱ፣ እቲ ቦታ ንዓና ከምዘይኮነን፣ ክፍሊ ውትድርና ድማ ንጸዓዱ ሰባት ጥራይ ከም ዝኾነን ብንጹር ከም ዝገለጸሎም ሙስጣፋ ይሕብር።
ወለዲ ሙስጣፋ ኩርዳውያን እዮም። ሽሕ እኳ ኣብ ኖርወይ እንተተወልደ፣ ግን ኖርወጃዊ ከም ዝኾነ ኮይኑ ተሰሚዕዎ ኣይፈልጥን።
Foto: Balsharan Kaur / NRKሙስጣፋ፣ ገጹ መሊሱ ንድሕሪት ከም ዝተመልሰ ይሕብር።
– ምስ ሽማግለታት ዝቋየቕ ዓይነት ሰብ ኣይኮንኩን፣ ምኽንያቱ ሽማግለታት ከነኽብር ከም ዘለና እናተመሃርኩ እየ ዓብየ፣ ይብል ሙስጣፋ።
ንሱ፣ ከምዚታት ዝኣመሰሉ ርእይቶታት ከም ዘሰልቸዎ፣ ግን ከኣ ከም ዘየገርሞን ከም ዝለመዶን ይገልጽ።
– ዝበዝሑ ወጻእተኛታት፣ ኣካል ናይዚ ሓፈሻዊ ማሕበረሰብ ኮይኑ ኣይስምዖምን እዩ፣ ብፍላይ ድማ ዘነጽሎም ኩነታት ቀጻሊ ምስ ዘጋጥሞም።
ከም ናይ መጻኢ መምህር መጠን፣ ንተነጽሎ ክቃወምን ኩሎም ተመሃሮ ኣቓልቦ ክረኽቡን፣ ኣካል ናይ ሕብረተሰብ ኮይኑ ከም ዝስምዖምን ክሰርሓሉ ተስፋ ኣለዎ።
– ዓሌታዊ ኣድልዎ ምስ ዘጋጥመካ፣ እንታይ ትገብር?
– እቲ ዝሓሸ ዝገብሮ፣ ግብረ መልሲ ዘይምሃብ እዩ። ሕቖኻ ሂብካ ካብቲ ቦታ ምእላይ እዩ። ፍልጠት ስለ ዝሓጸሮም ኣይኮኑን ከምኡ ዝገብሩ። እንታይ ይብሉ ከም ዘለዉ ይፈልጡ እዮም፣ ንክደፋፍኡኻ ኢሎም እዮም ከምኡ ዝገብሩ።.
ትም ክትብል ትመርጽ
Nær halvparten av unge som ble spurt, har blitt utsatt for rasisme de siste tolv månedene, viser ፕሮባ ዝገበሮ ሕብረተሰባዊ መጽናዕቲ ጸብጻብ የብርህ።
መብዛሕትኦም መናእሰይ፣ ነቲ ዝተዘርበ ዓሌታዊ ቃላት ሸለል ክብልዎ ወይ ከም ዘይግድሶም ኣምሲሎም ክሓልፍዎ ከም ዝመርጹ ይገልጹ።
ብዙሓት ካብቶም መናእሰይ፣ ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ኖርወይ፣ ብዛዕባ ዓሌታዊ ኣድልዎን ተነጽሎን ግቡእ ትምህርቲ ይወሃብ ከም ዘየሎ ይኣምኑ። ዓሌታዊ ኣድልዎን ተነጽሎን ኣብ ዘጋጥሞም ኩነታት ድማ ናብ መን ክሕብሩ ከም ዝግብኦም ኣይፈልጡን እዮም።
ብፍላይ ካብ ኣፍሪቃ፣ ኤስያን ማእከላይ ምብራቕን ድሕረባይታ ዘለዎም ህጻናትን መናእሰይን ንዓሌታዊ ኣድልዎ ዝተቓልዑ እዮም።
ኣብዘን ዝሓለፋ 12 ኣዋርሕ ዓሌታዊ ኣድልዎ ዝተቓልዑ
ሶፊያ ኣክረመንኮ (19): «– ንፑቲን ጓሉ ዲኺ?»
ወለዳ ንሶፍያ፣ ንእሽቶ እንከላ እዮም ካብ ሩስያ ናብ ሰሜን ኖርወይ ተሰዲዶም። ኣብቲ ናይ መጀመርያ እዋናት፣ ብዛዕባ ሸም ኣቦሓጎኣ ብዙሕ ርእይቶታት ይመጻ ከም ዝነበረ ትገልጽ።
ናብ ድራመን ምስ ገዓዙ፣ 7 ክፍሊ እናተማህረት ከላ «ንፑቲን ጓሉ ዲኺ» ዝብሉ ሕቶታት ብዙሕ ግዜ እዩ ቀሪቡላ።
ንእሽቶ እንከላ፣ ሽም ኣቦሓጎኣ ብዙሕ ኣቓልቦ ከም ዝሰሓበ ትገልጽ።
Foto: Nicole Klatzka / NRKቅድሚ ኲናት ዩክሬን፣ ሰባት ዳሓን ከም ዝነበሩ፣ ድሕሪኡ ግን ኣብ ሩስያውያን ዘለዎም ኣረኣእያ ከምዝተቐየረ ኮይኑ ተሰሚዕዋ ከም ዘሎ ትገልጽ።
– ኲናት ዩክሬን ካብ ዝጅመር ኣትሒዙ፣ ብዛዕብኡ ዝኾነ ነገር ዘይበልኩ ክነሰይ፣ ብዙሕ ርእይቶታት እዩ ዝበጽሓኒ። ከም ኣብነት «ስለምታይ ንዩክሬናውያን ትቐትሉዎም ኣለኹም?» ኢሎም ይሓቱኒ፣ ትብል።
– ከምዚ ምስ ዘጋጠመኪ እንታይ ትገብሪ?
– ርእስኻ ክትከላኸል ይግብኣካ እዩ። ግን ናይ ሰባት ርድኢት ክትቅይሮ ኣዝዩ ከቢድ እዩ። እቲ ዝቐለለ ክትገብሮ ትኽእል፣ ሸለል ክትብልን፣ በቲ ጉዳይ ከይትርበሽን ትመርጽ፣ ትብል።
ውሳነ ጉዳይ ስደተኛታት ኣብ ድራመን፣ ነታ ከተማ ናብ ብዙሕ ወገን ከፋፊልዋ እዩ። እታ ከተማ ሓቋፊት ስደተኛታት ድያ ወይስ ኣይኮነትን፣ ወይስ ዓሌታዊ ኣድልዎ ኣለዋ፣ ዝብል ዘተ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ንነዊሕ ቀጺሉ እዩ።
ሽሕ እኳ ከምዚ ዝመሰለ ርእይቶታት እንተሃለወ፣ ድራመን ስደተኛታት እትሓቁፍ ከተማ እያ፣ ትብል ሶፍያ።
– እቶም ውሑዳት፣ ናይ ዕሽነት ርእይቶታት ዝህቡ ሰባት፣ ነቲ ህዝቢ ክውክልዎ ኣይክእሉን እዮም በሃሊት እየ፣ ትብል።
ዮላና በንጃራኖ (50): – ናብ ስራሕ ዓለም ኖርወይ ምስ ኣተኹ ኣዝየ እየ ሰንቢደ።
ዮላንዳ በያራኖ ቅድሚ ዓስርተ-ሓደ ዓመት እያ፣ ተመርዕያ፣ ካብ ኮሎምብያ ናብ ኖርወይ መጺኣ።
ምግዓዝ ናብ ኖርወይ ብጽቡቕ እዩ ከይዱላ፣ ግን ስራሕ ህይወት ናይ ኖርወይ እቲ ዝዓበየ ስንባደ ከም ዝፈጠረላ ትገልጽ።
– ናብ ኖርወይ ክመጽእ ከለኹ ልዑል ደረጃ ትምህርቲ ሒዘ እየ ኣትየ። ግን ስራሕ ንክረክብ፣ ደረጃ ትምህርተይ ብዙሕ ተራ ኣይነበሮን።
ናብ ድራመን ድሕሪ ምግዓዘይ፣ ህይወተይ ተመዓራርዩ፣ ትብል ዮላንዳ በያራኖ።
Foto: Balsharan Kaur / NRKዮላንዳ ናብ ኖርወይ ካብ ትመጽእ ንደሓር ብዙሕ ተነጽሎ ኣጋጢምዋ ኔሩ፣ ግን ናብ ድራመን ምስ ገዓዘት ብዙሕ ነገር ከም ዝተቐየረ ሓቢራ።
– ኣብ ድሮባክ ኖርወጃውያን መሓዙት ኣይነበሩንን፣ ግን ናብ ድራመን ካብ ዝግዕዝ ንደሓር ኖርወጃውያን መሓዙት ኣጥርየ።
ዮርላንዳ፣ ወሃብቲ ስራሕ ኖርወይ፣ ንናይ ወጻእተኛታት ሓይሊ ዕዮ ክቕበሉ ክፉታት ክኾኑ ኣለዎም፣ ዝብል ሓሳብ ኣለዋ። ብዙሓት ወጻእተኛታት፣ ብዙሕ ኣበርክቶ ክገብሩ እናኸኣሉ ግን ዕድል ከም ዘይረኽቡ እያ ትኣምን።
ኣብ ያስሚን መርበብ ደቀንስትዮ ዝበሃል ትካል፣ ኣብ ጥቅምቲ 2021፣ ከም ተለማማዲት ስራሕ ጀሚራ፣ ብሕዳር 2021 ድማ ኣብኡ ስራሕ ተቖጺራ ደሞዝ ጀሚራ።
ንሳ፣ ንሰባት ምስ ሕብረተሰብ ምሕዋስ፣ መፍትሒ ተነጽሎ ክጎድል ከምዝኾነን ኮሎምብያውያን ድማ ኣብዚ ንፉዓት ከም ዝኾኑን፣ ትገልጽ።
– ብፍሽክታን ንኹሉ ኣእዳውና ዘርጊሕና ኣብ ምቕባልን ንፉዓት ኢና ይመስለኒ። ኣብዚ ዱካን ስራሕ ካብ ዝጅምር ሳልሳይ ዓመተይ ቀሪበ ኣለኹ፣ ዓማዊል ክመጹና ከለዉ ኩሉ ግዜ ብድሙቕ ፍሽኽታ ተቐቢለ – «ሰላም ሰላም፣ እንቋዕ ብደሓን መጻእካ» ይብሎም። ገለ ኖርወጃውያን እዚ ደስ ከም ዘይብሎም ኣስተውዒለ ኣለኹ፣ ትብል ዮላንዳ።
ኣንቶኒ ማጋላነስ ፋገርሞ (26): – ስራሕ ክደሊ እንከለኹ፣ ናይ ኣብሓጎይ ኖርወጃዊ ሽም እየ ዝጥቀም
ዓውዲ ምምህርና ዘጽንዕ ዘሎ ኣንቶኒ፣ ኣብኡ ኖርወጃዊ ኣዲኡ ድማ ደሞኒካዊት እያ።
ንሱ፣ ዝተጋነነ ኣድልዎ ዓሌትነት እኳ እንተዘየጋጠሞ፣ ስራሕ ክደሊ እንከሎ ግን ናይ ኖርወጃዊ ሽም ኣቦሓጎ ምስ ዝጥቀም፣ ሰባት ዝርእይዎ ኣቀባብላ ፍልልይ ከምዘሎ ኣስተውዒልሉ ኣሎ።
– ስራሕ ክደሊ ከለኹ፣ ናይ ስጳኛዊ ሽም ኣቦሓጎይ ዘይኮነ ናይ ኖርወጃዊ ሽም ኣቦሓጎይ እየ ዝጥቀም። ግን ኩዕሶ ባስኬት ክጻወት ከለኹ፣ ናይ ስፓኛ ሽም ስድራይ እየ ዝጥቀም፣ ሓያል ኮይነ ክቐርብ እየ ዝደልይ።
ብዙሓት ናይ ካልእ ዜጋ ድሕረባይታ ዘለዎም መናእሰይ፣ ኖርወጃዊ ባህሊን ኖርወጃውያንን ምስቲ ዝለመድዎ ባህሊ ኣነጻጺሮም፣ ዝሑላት ኮይኑ ይስምዖም፣ ይብል።
ዝተጋነነ ዓሌታዊ ተነጽሎ እኳ እንተዘይኮነ፣ ግን ተነጽሎ ከም ዝስምዖ ይገልጽ።
Foto: Balsharan Kaur / DKBUኣንቶኒ፣ እቲ ዝበለጸ ናይ ደቡብ ኣመሪካ ባህሊ፣ ምዉቕ ኩነታት ኣየር፣ ፍቕሪን ሙዚቃን እዩ፣ ይብል።
ንሕና ህዝቢ ደቡብ ኣመሪካ ኣዚና ሕዉሳት፣ ብዙሕ ፍቕሪ ነርእን ንልግስን ኢና። ቁሩብ ከምዚ ኣብ ኖርወጃውያን እንተዝህሉ ደስ ምበለኒ።
ንሱ፣ ንኣሽቱ መናእሰይ ክእከብሉ ዝኽእሉ ብዝሕ ዝበለ ቦታታት እንተዝህልዎም ኔሩ ዝወሓደ ተነጽሎ ምሃለወ ኔሩ፣ ኢሉ'ዩ ዝኣምን።
– ንንኣሽቱ መናእሰይ ዝኸውን ጽቡቕ ባህላዊ ማእከል ንጀምረሎም፣ ኣብኡ ቢልያርዶ፣ ናይ ጣውላን ናይ ቪድዮ ጸወታታትን ምተጻወቱ ኔሮም። ኣብ ቤት መጻሕፍቲ ፕለይስቴሽን ኔርዎም፣ ግን ጸኒሖም ኣልጊሶመን፣ ብምባል ሓሳቡ ገሊጹ።
ከምኡ'ውን መማህራን ምስ ህጻናትን መናእሰይን ሓቢሮም፣ ተነጸሎ ንከይፍጠር ክከላኸሉ ይግባእ እዩ፣ ዝብል ሓሳብ ኣለዎ።
ብፍሽኽታ፣ ንሱ ንባዕሉ ውሑስን ተቐባልን መምህር ክኸውንን፣ ነቶም ንፉዓት ተመሃሮ ጥራይ ዘይኮነ ንኹሎም ህጻናት ኣቓልቦ ክገብረሎም ድሌቱ ምዃኑ ይሕብር።
– ኩሉ ግዜ ንካልኦት ምስቶም «ብሉጻት» ተመሃሮ ነወዳድሮም ዘለና ኮይኑ ይስምዓኒ። እዚ ከም መምህር ክገብሮ ዘይግብኣኒ እዩ፣ ይብል።
ኣሓማት ልበት (22): – ክፉት ሰብ እንተኮይንካ ተቐባልነት ኣለካ።
ኣሕማት ኣብ ኖርወይ ካብ ዝቕመጥ ሓደ ዓመት ጌሩ ኣሎ። ካብ ጫድ እዩ መጺኡ።
ኣሕማት፣ ኣብ ድራመን ብጽቡቕ ከም ዝተቐባበልዎን ኣብታ ከተማ ምህላዉ ጽቡቕ ይስምዖ ከም ዝኾነን ይገልጽ።
– ናይ ቋንቋ ኖርወይ ስልጠና ወሲደ ኔረ፣ ኣብኡ ድማ ብዙሓት ሰባት ተላልየ። ኣዝዩ ባህ ዘብል እዩ። ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዓረብ፣ ፈረንሳይን ዩክሬይንን ዝቋንቆኦም ብዙሓት መሓዙት ጌረ።
ኣሕማት፣ ናብ ኖርወይ ካብ ዝመጽእ ዝኾነ ዓሌታዊ ኣድልዎ ከም ዘይገጠሞን ኩሉ ድማ ብክፉት ኣእዳው ከምዝተቐበሎምን ይገልጽ።
Foto: Nicole Klatzka / NRKኣሕማት ምስ ዩክሬናውያን ደቂ ክላሱ ኮይኑ ዓሳ ክገፍፍ ከይዱ ኔሩ። ዝሓለፈ ዓመት ክረምቲ'ውን ንመጀመርያ ግዜ ሸተት በረድ ፈቲኑ።
ንሱ፣ ክፉት ሰብ እንተኮይንካ፣ ምስ ካልኦት ክትጽንበር ከም ዘይሽግረካ ይገልጽ።
– ዝሓለፈ ዓመት ትቅምቲ፣ ናብ ኖርወይ ካብ ዝመጽእ ኣትሒዘ ጽቡቕ ምቅብባል እየ ረኪበ። ኩሎም ዝረኸብክዎም ሰባት ጥዑማት እዮም። ንነብሰይ ከም ዕድለኛ እየ ዝቖጽራ።
ኣሕማት፣ ናብ ኖርወይ ካብ ዝስደድ ኣትሒዙ ብዙሕ ሓገዝ ከም ዝተገብረሉ ይገልጽ። ብፍላይ ድማ ሓላፊ እቲ ዝሰርሓሉ ቦታ ኣዝዩ ጥዑይ ሰብ ምዃኑ ይገልጽ።
– ብዙሕ እየ ካብኡ ዝመሃር፣ ምስኡ ካብ ሰዓት 16–22 እየ ዝሰርሕ. ሓላፊየይ ኣዝዩ ጥዑም ሰብ እዩ። ቋንቋ ኖርወይ ብዙሕ ኣይክእልን እየ፣ ግን ብኹሉ እዩ ዝሕግዘኒ። ንዓይ ከም ካልኣይ ኣቦይ እዩ፣ ይብል ኣሕማት።
ደይሲ ኣልባኮቫ (20): – ከምዚ ዓይነት ክዳን ትለብሳሉ ሕብረተሰብ ንነብር ምህላውና ዘሕዝን ኣይኮነን?
ደይሲ፣ ኣብ ዩኒቨርስቲ ደቡባዊ ምብራቕ ኖርወይ፣ ስነ ቁጠባን ምምሕዳርን እያ ተጽንዕ። ሕጃብ ክትወድይ ምስ ጀመረት ደስ ዘየብል ርእይቶታት ክመጻ ኸም ዝጀመረ ትገልጽ።
– ሓደ ካብተን ኣጸቢቐ ዝዝክረን እዋን፣ ሓደ ሽማግለ ሰብኣይ «ከምዚ ዓይነት ክዳን ትለብሳሉ ሕብረተሰብ ንነብር ምህላውና ዘሕዝን ኣይኮነን?» እናበለ ናብ ሕጃበይ ብኢዱ ኣመልኪቱለይ።
በዚ ተቖጢዓ እኳ እንተነበረት፣ ግን ኣብ ስራሕ ቦታ ብምንባራ ዝኾነ ነገር ክትገብር ኣይከኣለትን።
ወለዲ ደይሲ ቸችናውያን እዮም። ናይ ቸችናውያን ባህሊ፣ ሙዚቃን ሳዕስዒትን ድማ ባህ ከም ዝብላ ትገልጽ።
Foto: Balsharan Kaur / NRKሕጃብ ክትለብስ ምስ ጀመረት ካብ ቅድም ንላዕሊ ዝበዝሐ ርእይቶታት ክመጻ ጀሚሩ። ዝበዝሐ ግዜ ድማ ኣብ ስራሓ እዩ ኣጋጢምዋ።
– ዝሸምገሉ ሰባት ከምዚ ዝበለ ርእይቶ ክህቡ ከለዉ፣ ንዓይ ስለ ዝጸልኡኒ ኮይኑ ኣይስምዓንን እዩ። ምናልባት ስለምንታይ ከምዚ ህይወት ከም ዝመረጽኩ ስለ ዘይተረድኦም እዩ። ፍልጠት እንተ ንህቦም ምናልባት ምሓገዘ ኔሩ።
ንሳ፣ እቲ መፍትሒ ንንኣሽቱን ንሽማግለታትን ብዛዕባ ሓድሕድ ባህሊ ተወሳኺ ክመሃሩ ምግባር እዩ፣ ትብል። ክትዛረበሉ ትደሊ፣ ዓሌታዊ ኣድልዎ ይኹን ተነጽሎ ዘጋጠመካ ኩነታት ኣሎ'ዶ? ኣብቲ ናይ ርእይቶ ቦታ ጸሓፉልና።
Velkommen til dialog hos NRK. Siden du er pålogget andre NRK-tjenester så slipper du å logge inn på nytt her, men vi trenger ditt samtykke på våre brukervilkår for dialog på nett